ዛንታና
ገዛና ኣብ 2017 ብሓደ ብሩህ ኣተሓሳስባ ተጀሚሩ። ንሱ ከኣ ነዞም ሓደስቲ ኤርትራውያን ነበርቲ ሮተርዳምን ከባቢኣን ናይ’ቲ ኣብ ርሑቕ ዝገደፍዎ ገዝኦም መንፈስ ምፍጣር እዩ። ብመጀመርያ ገዛና ከም ዓቢ ዕማም ዝሓዘቶ ንኤርትራውያን ሓደስቲ ዝመጹ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዕረፊ ተበልካያ ምግናን ኣይኮነን። ንኣብነት ነበርቲ ናይቲ ገዛውቲ ምስ ኢትዮጵያን ሶማልያውያን ሱዳናውያን ካልኦትን ዜጋታትን ወ.ዘ.ተ።
ገዛና ንሓደሽቲ ዝመጹ መጀመርታ እግሮም ዘምርሑላ ልቦም ዘዕሩፉላ እምንቲ ቦታ እያ።
ካልእ ብዛዕባ ገዛና
ገዛና ኣብ ጹቡቕ ግዜ ልዕሊ 25.00 ሽሕ ዓማዊል ተአንግድ። እዚ ማለት ከኣ ንነበርቲ ሮተርዳምን ከባቢኡን,እቲ ሰላማዊ መንፈስ ናይ’ቲ ገዛ ብኣልኮላዊ መስተ ከይተዘርገ ምስ ጥዑም ናይ ሓበሻ መግቢ ንንእሽቶይ ንዓቢ ንሰብኣይ ንሰበይቲ ንእስካቡሊ ንስድራ መቸም ንኩሉ ከይፈላለየ ብሓንሳብ ጠሚሩ ዝኸይድ ገዛ እዩ። ከም ዓቢ ነጥቢ ከኣ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ መግቢ ዝቕረበሉ ዝእንገደሉ ሰላማዊ ገዛ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ገዛና እንዳ ባርቤሪ ንደቂ ተባዕትዮ ኣለና። ተወሳኺ ምምላእ ወረቓቕቲ፣ቡን ደቂ ኣንስትዮ፣ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ፣ ቢልያርዶ ፡ሓጺር ግዜ ዝወስድ ትምህርቲ ወ.ዘ.ተ . . . ።
ማሕበረሰብ ገዛና ነጻ ዝኮነ ኣመራርሓ ይኽተል። ገዛና ብርእሳ እትመሓደርን እትምውልን መሰረት ኮይና ካብ ፖሎቲካን ሃይማኖትን ነጻ እያ።
ገዛና ብምትሕብባር ምስ፥
(formulierenbrigades) en het netwerk Aanschuifmaaltijden (sociale keukens), beide in Delfshaven, Rotterdam.ትሰርሕ።