Skip to content Skip to footer

FAQ

ማሕበረሰብ ገዛና ልክዕ ከም ሽማ ናይ ገዛ ስምዒት ሂባ ኣጋይሻ ትቅበል። ብፍላይ ንሓደሽቲ ናብ’ዚ ዓዲ ዝመጹ ናፍቆቶም ዘዝሕልሉ ቦታ እያ። ናብ ገዛና ክትርእዮ፡ቡን ወይ ሻሂ ንምባል፡ንቁርሲ ንምሳሕ ከምኡ’ውን ንእንዳ ባርቤሪ ወይ ንቢልያርዶ ወይ ጆቶኒ ንምጽዋት ማዕጾና ክፉት እዩ።

ማሕበረሰብ ገዛና ፡ ናይ ኔዘርላንድ ቋንቋ ትመሃረሉን መባእታዊ ትምህርቲ ሓገዝ ትረክበሉን እዩ። ከምኡ’ውን ሰሙናዊ ክፉት ነጻ ኣገልግሎት ኩሉ ሰብ ዝሕገዘሉ ኣለና። ምንባብ ደብዳቤታትን ምምላእ ወረቓቕትን ካብ መንግስትን፡ ቤት-ጽሕፈታትን። ብምቅጻል ናይ ኮምፒዩተር ትምህርቲ ንጀመርቲ። ክትመሃር  ትደሊ\ይ። እንዳ ተመሃርካ እትሰርሖ ስራሕ። ኣብ ገዛና ብዙሕ  ምርጫታትት ወይ ቀረባት ኣሎና። ምጹና ብቀረባትና ክትዓግቡ ኢኩም።

ገዛና መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደሽቲን ንነዊሕ ዝገበሩን ብሓንሳብ ክራኸቡላ ትስሕብ ገዛ እያ። ካብ ኩሉ ከኣ ዝኾነ ፖለቲካዊን ይኩን ሃይሞኖታዊን ዕላል ፍቁድ ኣይኮነን። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ኩሉ ሰብ ሲሒቑን ተጻዊቱን ዝፈላለየሉ ቦታ ክኸውን ደርኺዎ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ንካልኦት ዜጋታት ሰሓቢት ቦታ ይገብራ ከም ሶማላውያን፡ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዜጋታት

ነበርቲ እዚ ኣከባብን። ገዛና ከኣ ምስ ኩሉ ብሓንሳብ ክትሰርሕ ድልውቲ እያ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብዚ ክትረኽብዎ ኢኹም። 

Instagram

Facebook

ማሕበረሰብ ገዛና ዝክፈተሉ ሰዓት ካብ 12፡00 ክሳብ 22፡00

ክሽነ ክሳብ ሰዓት 21፡00 ይኽፈት።

Gerrit van de Lindestraat, 37, 3022 TC Rotterdam

ቴሌፎን፡010-3411419 ወይ06-83333587

ብኢ-መይል መልእክቲ ንምስዳድ ተደሊኹም  ውን፥ stichtinggezana@hotmail.com ወይ ከኣ ናይ መራከቢ ደብዳቤ ምምላእ

Go To Top