Skip to content Skip to footer
ንገብሮም ንጥፈታት

ካብ ተራ ማሕበረሰብ ንላዕሊ።

ማሕበረሰብ ገዛና ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝነጥፍ ማሕበር እዩ። ቀረባትና ቁርሲን ምሳሕን ጥራይ ዘይኮነ እንታይ ደኣ ንክልቲኡ ሕብረተሰብ ዘራኽብ መሳልል ምህናጽ እዩ። ሓሳብና ኣብ ሸቶኡ ንምውቃዕ ከኣ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ነዳልው።  ማሕበረሰብ ገዛና ከኣ ጽምዋኻ ትሰብረሉ ገዛ እዩ።

ማሕበረሰብ ገዛና ከም ገዛና፡ገዛኺ፡ገዛኻ ገዛኹም እዩ።

ማሕበረሰብ ገዛና ከም ገዛና፡ገዛኺ፡ገዛኻ ገዛኹም እዩ።

ካብ 2017 ጀሚሩ ማሕበረሰብ ገዛና ኣብ ምዕራብ ሮተርዳም ምምሕዳር ደልፍስሃፈን ይርከብ። ኣብ መጀመርታ ከም መራኸቢ ንሓደሽቲ ብፍላይ ከኣ ካብ ኤርትራ ዝመጽኡ ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንዝተፈላለዩ ናይቲ ገዛውቲ ነበርቲ ማዕረ ሓገዝ የበርክት። ገዛና ልክዕ ከም ሽማን ትርጉማን እያ። ኣብ ገዛና ካብ ምብላዕን ምስትይን ሓሊፍካ ምስሓቕን ምጽዋትን ሓሊፍካ ናይ ቋንቋ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ ትሓተሉ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ ሂወት መግለጺ ምስ ትደሊ ፡ መግለጺ ትረኽበሉ፡ናይ መንግስቲ ወረቓቕቲ ዘይተረድኡኻ መረዳእታን ሓገዝን ትረክበሉ ቦታ እዩ።

ምጹናመደባትና

Go To Top